All updates

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንሽልማት ኖቤል ሰላም ኣይበቅዕን'ዩ

11/10/2019
ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንሽልማት ኖቤል ሰላም ኣይበቅዕን'ዩ

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝዓጸዎ ምዕራፍ ኲናት ወይ ዘረጋገጾ ቅንጣብ ሰላም የልቦን

ሽልማት ኖቤል ሰላም ብስዊድናዊ ትካል ኣልፈርድ ኖቤል ፋውንዴሽን ዝምእከል ብሓሙሽተ ኣባላት ፓርላማ ወይ ባይቶ ኖርወይ ዝሳለጥን ዝፍጸምን ንብሉጻት ዓለማዊ ሰላም ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ሰባት ዝዕደል ዓመታዊ ሽልማት እዩ። ናይዚ ንነዊሕ ዓመታት ማለት ንልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘመን ዝተዋህበ ሽልማት ብዙሓት ንዓለምና ሰላምን ርግአትን ከስፍኑ ሓያል ኣበርክቶ ዝገበሩ ውልቀሰባት ኮነ ግብረ ሰናይ ትካላት ነዚ ሽልማት ክወስዱ በቒዖም እዮም። እዚ ዓይነት ቅዱስ ሓሳባትን ተበግሶን ብህዝቢ ዓለም ወትሩ ክድነቕ ወይ ክድገፍ ምርአይ ድማ ባህሪያዊ እዩ።

ሽልማት ኖቤል ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ዓለምና ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብ ምውሓስ ናይታ ብኲናትን ወረ ኲናትን እትሳቐ ዘላ ኣፍሪቃናን ሰላም ተሓሪምዎ ዘሎ ህዝቢ ኣፍሪቃን ፍሉይ ቦታ ክህልዎ ግድን እዩ። ኣፍሪቃውያን ንሰላም ኩሉ ዝከኣሎም ኣበርኪቶም ነዚ ናይ ሰላም ሽልማት ክወስዱ ካብ ምራአይ ንላዕሊ ባህታ ዝህብ ምንም ነገር የልቦን። ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኔልሰን ማንዴላን ደዝሞን ቱሩን፡ ግብጻውያን ኣንዋር ሳዳትን መሓመድ ኣል በራዳይን፡ ላይቤርያውያን ደቂ ኣንስትዮ ኤለና ጃንሰንን ሊይማህ ግድዌን ከምኡ'ውን ኬንያዊት ዋንጋሪ ማታይ ዝአመሰሉ ነዚ ሽልማት ምውሳዶም ንዓና ኣፍሪቃውያን ዓቢ ዓወትን ሓበንን እዩ።

አዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብዚ ናይ ሎም ዘመን 2019 ዓ.ም ግና ፈጺምካ ዘይትጽበዮ እንትርፎ ሰላማውያን ቃላት ንእስትራተጂካዊ ዓወት ምንም ናይ ሰላም ግብራዊ ኣበርክቶ ዘየረጋገጸ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንሽልማት ኖቤል ሰላም ሕጹይ ኮይኑ ምቕራቡ፥ ነቲ ክብርን ትርጉምን ናይዚ ክቡር ሽልማት ዝድውንን ንመጻኢ ዘፍኩስን ኮይኑ ስለ ዝረኸብናዮ ነዚ ግጉይ ስራሕ ክነቃልዖ መሪጽና። ዶ/ር ኣብይ ንሽልማት ኖቤል ሰላም ዘይበቕዓሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እዞም ቀጺልና እነቕርቦም ነጥብታት እዮም።

1. ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ደው ዘበሎ ናይ ኲናት ምዕራፍ የልቦን። ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ደው ዝበለ ድሕሪ ክልቲኤ ሃገራት ኣብ 2000 ዓ.ም ንእማመ ሰላም ኣልጀርስ ምስ ተቐበልኦ እዩ። ብድሕሪኡ ስጋብ አዛ ሕጂ ሰዓት ንልዕሊ 19 ዓመታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዕላዊ ኲናት ኣይሃልዋ እምበር ኣብ ምፍጣጥን ኣይሰላም ኣይኲናትን እየን ተጸሚደን ዝርከባ።

2. ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ንውሳኔ ውዕል ሰላም ኣልጀርስ ተቐቢለ ከተግብሮ እየ ዝበሎ ከም ፖለቲካዊ ስትራተጂ ነቶም መቀናቕንቱ መራሕቲ ህወሓት ኣብ መንቀራቕሮ ንምእታው እተጠቕመሉ ጉርሒ እምበር ናይ ብሓቂ ሰላም ንምውራድ ዘይምንባሩ ንህዝቢ ኤርትራ በሪሁሉ ይርከብ።

3. ሰላም ዝረጋገጽ ኢትዮጵያ ካብቲ ጎቢጣ ሒዛቶ ዘላ መሬት ኤርትራ ወተሃደራታ ምስ እተውጽእ ጥራይ ክንሱ ገና ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ሉአላዊ መሬት ኤርትራ ከይወጹ፥ መራሒ ናይዛ ጎቢጣ መሬት ኤርትራ ሒዛ ናይ እትርከብ ኢትዮጵያ ብምንም መለክዒ ንሽልማት ኖቤል ሰላም ክውዳደርስ ይትረፍ ክሕጸ ከማን ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ንሕብር።

4. ቀ/ሚ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምስቲ ንዓለማዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ክህደን ዝግብኦ ውልቀ መላኺ መራሒ ኤርትራ ኣብ ናይ ፖለቲካ ሽርክናን ዕርክነትን ተጸሚዱ ዝርከብ ናብዚ ክቡር ሽልማት ሕጹይ ምግባር ንባዕሉ ናይቲ ሒዝዎ ዘሎ ቅዱስ ዕላማ ምርኻስን ንስቓይን ጭቆናን ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ጸማም እዝኒ ምሃብ እዩ።

5. ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሰላም ከውሕስ ዘይከኣለ፥ ሓድሕዳዊ ዓሌታዊ ቅትለት ዜጋታቱ ክቆጻጸር ዓቕሚ ዘይብሉ መራሒ፥ ካብቶም ቅድሚኡ ዝሓለፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ ንዜጋታቱ ብሓይሊ ጥይትን ብረትን ዘመሓድር ብምንም መለክዒ ሕጹይ ናይዚ ሽልማት ክኸውን ኣይበቅዕን።

ነዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለው ጭብጥታትን መርትዖን ኣብ ግምት ኣእትዩ ዋን ኔሽን ኤርትራ ነቲ ዝተወስደ መስርሕ ተቓውምኡ የቕርብ። በቲ ዝነፍስ ዘሎ ሓበሬታት ዋላ'ኳ ነቲ ሽልማት ስዊድናዊት ተጣባቒት ዕቀባ ከባቢ ጓል 16 ዓመት መንእሰይ ግሬታ ታንበርግ ክትዕወት ምዃና ይሕበር እንተሃለወ ቀ/ሚ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ከምዚ ዝዓይነቱ ውድድር ዝለዓለ ሕጹይ ኮይኑ ምቕራቡ ከምዘሕዘኖ ዋን ኔሽን ኤርትራ መርገጺኡ ንህዝቢ የነጽር።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!!

ዋን ኔሽን ኤርትራ

10 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም