All updates

ዮሃና ንዕውትቲ ጋንታ ኤርትራ

11/10/2023
[:swvar:text:838:]

ሽልማት ወርቂ መዳልያ ኣብ ሲንጋፖር። ምዉቕ ዮሃና ንድሙቕ ዓወት ጋንታ ትሕተ-ዕድመ መንእሰያት ህያብ ሳምሶን፡ ሩፋኤል ኣብራሃ፡ ኣዶናይ ሃብተ፡ ዮሳን ወልደገብሪኤልን ያቆብ ኢሳቕን። በቲ ኣብ ሲንጋፖር ኣብ 7-10 ጥቅምቲ ዚተኻየደ ሮቦታዊ ውድድር 2023 (Robotic Competition 2023) ቀዳማይ ብምዃን ዘመዝገብኩሞ ድሙቕ ዓወትን ዝጨበጥኩሞ ወርቂ መዳልያን ኰሪዕና፣ ተሓቢንና፣ ጸባ ሰቲና።

እዚ ዘሐብን ዓወት ናይዞም ኤርትራዊ መበቈል ዘለዎም ኣብ ከተማ ጋልጋሪ፡ ካናዳ፡ ብግቡእ ትምህርትን ምዕቡል ስነኪነትን እናተዀስኰሱ ዚዓብዩ ዘለዉ ኤርትራውያን-ካናዳውያን (Eritrean-Canadians) መንእሰያት፣ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝዓብዩ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ተመሳሳሊ ዕድል ረኺቦም ብግቡእ ትምህርትን ምዕቡል ስነኪነትን እናተዀስኰሱ ምስ ዝዓብዩ፡ ከምዞም ኣብ ካናዳ ዚነብሩ ኣሕዋቶም፡ ዕቑር ዓቕሞም ከማዕብሉ ዓቢ ተኽእሎ ከም ዘለዎም የመልክት። እዚ ድማ፡ ርሁው መጻኢ ኤርትራ ባዶ ፕሮፓጋንዳ ኣብ ምንዛሕ ዘይኰነስ፡ ጭቡጥ ወፍሪ ኣብ ትምህርቲ፡ ሓለዋ ጥዕና፡ ሓድሽ ስነኪነት ብምግባር ሰብኣዊ ርእሰማልና ኣብ ምህናጽ ከም ዚምርኰስ ይሕብር።