All updates

መበል 34 ዝክረ-ዓመት ስርሒት ፈንቅል ብሓበን ይዘከር!

09/02/2024
[:swvar:text:838:]

እዚ ሳልስቲ’ዚ ኵሉ ፈታው ሃገሩ ኤርትራዊ ንዕዉት ስርሒት ፈንቅል ብሓበን ዚዝክረሉ ቅንያት ጽንብል ሓርነት ባጽዕ ኢዩ። ኣብዚ ኣስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ልዑላውነት ሃገርናን ምሉእነት ገማግም ባሕርናን ንምግሃስ ኣእዳዎም ዘወጣውጡሉ ዘለዉ እዋን፡ ጽንብል ሓርነት ባጽዕ ፍሉይ ድምቀት ኣለዎ። ድሙቕ ዓወት ‘ስርሒት ፈንቅል’ ሓርነት ባጽዕ ዘመዝገበ፣ ባና ናጽነት ኤርትራ ዚወልዐ፣ ቅርበት መኸተምታ ዕምሪ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዘበሰረ፣ መርኣያ ኤርትራዊ ጅግንነት ኢዩ። ክንድ ዚዀነ፡ ዓመት-ዓመት ብሓበን ኪጽንበል ግቡእ ኢዩ። 

‘ስርሒት ፈንቅል’ ሓደ ኣብነታዊ መርኣያ ናይቶም ዘደንቑ ቅያታት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ (ህሰሓኤ)፣ ናይቲ ዘይጸዓድ ኤርትራዊ ሃገራውነትን ጅግንነትን፣ ናይቲ መዘና-ኣልቦ ድሙቕ ኤርትራዊ ዓወት ኢዩ። ኣብዚ ታሪኻዊ ዓወት ‘ስርሒት ፈንቅል’ ብሓበን እንጽንብለሉ ዘለና፡ ማዕረ-ማዕሪኡ፡ እቲ መሰረታዊ ዕላማ ናይቲ ዚተኻየደ ቃልሲ፡ ዚተኣትወ መብጽዓ፡ ዚተኸፍለ መስዋእቲ ምዝካር ግቡእ ኢዩ። ብናይ ትማሊ ዓወት ተዛኒና ንምንባር ዘይኰነስ፣ ሎሚ ንናይ ጽባሕ ውሕስነት፡ ድሕነትን ራህዋን ሃገርናን ህዝብናን ሰረት ከነንጽፍ ከም ዚግባእ ምስትውዓል የድሊ። ንመስዋእቲ ሰማእታትና ዘኽብር፣ ህንጸት ሃገር፡ ቍጠባዊ ልምዓት፡ ማሕበራዊ ግስጋሰ፡ ባህላዊ ትንሳኤ ንምርግጋጽ ክንሰርሕ ይግባእ።

ኣብዚ ኣስፋሕፋሒ ህርፋን ዘሳውሮ ህላዌኣዊ ስግኣት ዘንጸላልወሉ ዘሎ ተኣፋፊ ጀኦፖለቲካዊ ክዉንነት’ዚ፡ ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ ብሓደ ወገን፡ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ልዑላውነትን ሃገረ ኤርትራ ንምውሓስ፡ በቲ ካልእ ድማ፡ ግዝኣተ ሕጊ ዘስፍን ቅዋማዊ ምሕደራ ንምትካል ብምቅላስ፣ ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታትና ኪስከም ብጹእ ግዴታ ከም ዘለዎ አዘኻኽር።