All updates

ሓርበኛ ቅጺ 2 ቍጽሪ 6 ጥሪ 1991

26/03/2024

ኣብ ጥሪ 1991፡ ኣብ ዋዜማ ሓርነት ኤርትራ፡ ጌና ኣብ ሳሕል እንከሎና፡ ኣብ መጽሔት ሓርበኛ (ቅጺ 2 ቍጽሪ 6 ጥሪ 1991)፡ ብዛዕባ መጻኢ ፖለቲካዊ ስርዓት ኤርትራ ሓባራዊ ዘተ ኣካይድና ኔርና። እቲ ሓባራዊ ዘተ ኣብ 11 መስከረም 2018፡ ኣብ ኤሪ-ፕላትፎርም (www.eri-platform.org) ወጺኡ ተዘርጊሑ ከም ዝነበረ ይዝከር። እቲ ሽዑ፡ ኣብ ኣጋ ምዝዛም ብረታዊ ቃልሲ፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ጕባኤና ዚጸደቐ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ፕሮግራም ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ብተኣማንነት ዚትግብር ገስጋሲ፡ ሓርነት፡ ምዕባለን ራህዋን ዘስፍን ስርዓት ንምህናጽ ዝነበረና ሰውራዊ ራእይን ትጽቢትን፡ ብመንጽር’ቲ ድሕሪ ናጽነት ዘጋጠመ ጥልመትን ዚሳዕረረ ምልክን ዘስዓቦ ድሕረት፡ ድኽነት፡ ጃምላዊ ስደት ሓሳረ-መከራን ህዝብና፣ ንህሉው ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ልዑል እዋናዊ ኣገዳስነቱ ብምግንዛብ፡ ከም መዘኻኸሪ ብጹእ ዕላማታት ቃልስና፡ ናብ ዝበዝሑ ኣንበብቲ ንምዝርጋሕ፡ ደጊምና ነውጽኦ ኣለና።

[:swvar:text:838:]