www.eri-platform.org


10 ሕዳር 2020 


መግለጺ ልህኤ ኣብ ህሉው ኵነታት ኢትዮጵያ


ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን

ሓርበኛ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ


ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኲናት ኣብ መንጎ እቲ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብሓደ ወገን፡ ሃገራዊ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ድማ፡ በቲ ካልእ፡ ተወሊዑ ብናህሪ ይጐሃሃር ምህላዉ ኣዝዩ ኣሻቓልን ሓደገኛን ምዕባለ ኢዩ። ዝውታረ ጐነጽ ምእንቲ ፖለቲካዊ ዕላማ ኣዕጋቢ ፍታሕ ዘምጽእ ዘይኰነስ፡ ንሽግራት ብዝያዳ ዚሓላልኽ ተግባር ኢዩ። እዚ ኣብ መንጎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ተወሊዑ ዘሎ ሃንደበታዊ ኲናትዚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም፡ ጸጥታን ርግኣትን ዚዘርግ፣ ነቲ ንነዊሕ ዚጸንሐ መዋቕራዊ ሽግራት ኢትዮጵያ ዘጋድድ፣ ኣብቲ ዞባ ብሓፈሻ፡ ኣብተን ቀጥታዊ ጐረባብቲ ሃገራት ድማ ብፍላይ፡ ሃሳዪ ኣሉታዊ በጨቕታ ከስዕብ ዚኽእል ክስተት ኢዩ። 

ኲናት ምውላዕ ቀሊል ኢዩ። ይዅንምበር መዓሰይን ብኸመይን ከም ዚውዳእ ምትንባይ ኣሸጋሪ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ትንታኔ ድማ፡ ኲናት ብዘይካ ጃምላዊ መቕተልትን ዕንወትን ካልእ ፋይዳ የብሉን። ከምቲ ኣንድሩ ቦናር ሎው ዚበሎ፡ ዘይተርፍ ኲናት ዚብሃል ነገር የለን። ኲናት ካብ ፍሽለት ሰብኣዊ ልቦና ኢዩ ዚመጽእ። እቲ ኲናት ብኣግኡ ኪውገድ ይከኣል ነይሩ። ሕጂውን፡ እቲ ጕድኣት ኣመና ከይዓበየ እንከሎ፡ ቅልጡፍ መዕለቢ ኪግበረሉ ዚከኣልን ዚግባእን ኢዩ። 

በዚ ኣጋጣሚዚ፡ ምንቅስቓስ ንልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ (ልህኤ) ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ወገናት ውግእ ብምቍራጽ ፍልልያቶም ብልዝብ ንምፍታሕ፡ ረብሓ ህዝቢ ዘቐድም ኣድላዪ ልቦናን ሰናይ ፖለቲካዊ ድሌትን ከርእዩ ይጽውዕ። ብተወሳኺ፡ ኣህጕራዊ ኮም፡ ዞባዊ ውድባትን ጸለውቲ ጐረባብቲ ሃገራትን ነቲ ኵነታት ብቐረባ ብምክትታል፣ ብዚቐልጠፈ ተዅሲ ደው ንምባል ኰነ ኣብ ግዝኣተ ሕጊ ዚምርኰስ ነባሪ ሰላማዊ ፍታሕ ዚድርኽ መኣዲ ልዝብ ንምውዳድ፣ ኵሉ ዚከኣሎም ኣበርክቶ ንምግባር ይጽውዕ። ኣህጕራዊ ሽማግለ ቀይሕ መስቀልን ኣህጕራዊ ምንቅስቓስ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን በብወገኖም፡ ብመሰረት ኣህጕራዊ ሕጊ ኲናት፡ እቲ በርጌሳዊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መጻወድያ ናይቲ ልውውጥ ተዅሲ ተቐርቂሩ ግዳይ ንኸይከውን ኵሉ ዘድሊ ክትትልን ጻዕርን ንምግባር የተሓሳስብ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ኵለን ቀጥታዊ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ እንተላይ ኣብ ኤርትራ፡ ብሰሪ ዘለወን ድኽመታት ኪጻወርኦ ዘጸግም ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከኸትል ዚኽእል እንተዀነ፣ ንኢትዮጵያውያን ዚምልከት ውሽጣዊ ጕዳይ ናይ ኢትዮጵያ ምዃኑ ብፍጹም ኪዝንጋዕ ኣይግባእን። ክንዲ ዚዀነ፡ ኤርትራን ኤርትራውያንን፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ ረብሓ ህዝብናን ሃገርናን ዘቐድም ንጹር ኣከያይዳ ብምሓዝ ኰነ ምዙን ዘይሻራዊ ሜላ ብምኽታል ኣህዳእን ኣተዓራቕን ኣበርክቶ ንምግባር ምጽዓር ይግባእ። 

በዚ ኣጋጣሚዚ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ብዚዀነ ላዕለዋይ ትእዛዝ፡ ምኽንያት ይዅን ምስምስ፡ ኣብቲ ውሽጣዊ ጕዳይ ናይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ምእታው ኰነ ስግር ናይቲ መግዛእታዊ ውዕላዊ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሻራዊ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ምግባር ከም ዘይግባእ ብትሪ የዘኻኽር። ኣብቲ ኣህጕራዊ ዶብ ናይ ክልቲአን ሃገራት ጽኑዕ ሓለዋ ብምርግጋጽ፡ ቀንዲ ኣቓልቦኡ ነቲ ሃገር ዘዕኑን ህዝቢ ዘሳቕን ዘሎ ዓመጸኛ ስርዓት ናብ ምእላይ፣ ድሕነት ህዝቢ ናብ ምርግጋጽ፣ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ ናብ ምውሓስ ከተኵር ይጽውዕ። 

ኣብ ርእሲዚ፡ ድሕነት ኤርትራውያን ነበርትን ስደተኛታትን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ፡ ንምርግጋጽ ኵሉ ኤርትራዊ ብምሉእ ዓቕሙ ኪሰርሕ ይግባእ። ኣህጕራዊ ኮም ብሓፈሻ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ንስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ድማ ብፍላይ፡ ብመሰረት ውዕል ጀነቫ ኣህጕራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ብምኽባር፡ ድሕነትን ግቡእ ስደተኛዊ ቍመናን ናይ ኵሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምርግጋጽ ዘለዎ ውዕላዊ ሓላፍነት ንኪስከም ደጋጊሙ የማሕጽን።

ፍትሓዊ ሰላም ንህዝቢ ኢትዮጵያ፡ እንተላይ ንህዝቢ ትግራይ!

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ! 

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!