www.eri-platform.org

04.04.2022

 

 

ዋሕዚ ድሙቕ ዓወታት ከዋዅብቲ መንእሰያት ኤርትራ

 

እቲ ኣብ ግብጺ ዝጀመረ ናብ ኤውሮጳን እስያን ዝበጽሐ ተሳትፎ መንእሰያት ኤርትራውያን፡ ዓወታቶም እናወሓዘ  ድምቀቶም እናበረኸ ክደራረብ ጸኒሑ።

መንእሰይ ኣትለት ናዝሬት ወልዱ ኣብቲ ኣብ ደይጉ፡ ደቡብ ኮርያ፡ ንመበል 12 ግዜኡ ዝካየድ ዘሎ ናይ ደቀንስትዮ ኣህጕራዊ ውድድር ማራቶን (Daegu International Marathon) ቀዳመይቲ (1ይቲ) ብምውጻእ፡ ሰለስተ  ክብረ ወሰናት ኣመሓይሻ። ምዉቕ ዮሃና፡ ኮኸብ ኣትለት ናዝሬት ወልዱ።

ከምኡውን መንእሰይ ኣትለት ንጉሰ ኣምለሶም ኣብቲ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ዓስራይ (10) ኮይኑ ውድድሩ ፈጺሙ። ምዉቕ ዮሃና ኣትለት ንጉሰ ኣምለሶም። ዮሃና ንዅሎም ሰዓብትን ኣሰልጠንትን።

 

ሳላ ኣንጸባራቒ ዓወታትኩም፡ ኣዚና ተሓጒስና፡ ደስታናን ሓበንናን ሰማይ ዓሪጉ!

 

www.eri-platform.org