www.eri-platform.org


18.05.2020

ምህናጽ ነባሪ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብጀኦግራፍያዊ ቅርበትን ጥንታዊ ታሪኽን ዚተላገቡ ጐረባብቲ ህዝብታት ኢዮም። ንሳቶም ብሓያል ባህላዊ ተማስሎ፡ ቍጠባዊ ተማራዃሲነትን ስትራተጅያዊ ረብሓታትን ብቐረባ ዚተኣሳሰሩ ኢዮም። ብውሕልነት ምስ ዚእለዩ፡ እቶም ንዝምድናታት ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ዘቝሙ ብዙሓት ኣዕኑድ፡ ከም ጽኑዕ ሰረት ናይ ነባሪ ፖለቲካዊ ምትሕግጋዝ፡ ዘተኣማምን ደራኺ ናይ ቍጠባዊ ምምልላእን ድልዱል መልሕቕ ናይ ዞባዊ ሰላም፡ ድሕነትን ርግኣትን ንምግልጋል ዓቢ ተኽእሎ ኣለዎም። ብሓቂ ድማ፡ እዞም ክልተ ህዝብታት እዚኦም ብሰላም፡ ጽቡቕ ጕርብትናን ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን ኪነብሩ፡ እተን ክልተ ልዑላውያን ሃገራቶም ምዉቕ ዝምድናታት ኪህሉወን፡ ዚግባእ ኢዩ።   

ይዅን’ምበር፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሓምሳ (50) ካብዘን ዚሓለፋ ስሳ (60) ዓመታት ኣብ ሓደ ኵነት ናይ ደማዊ ኲናት ወይ ኣብ ኵነት ናይ ዝሑል ተጻብኦ ተጸሚደን ጸኒሐን። እቲ ኣብ መንጎ’ቲ ኣብ ኣጋ ዓራርቦ ጸሓዩ ዚርከብ ውልቀ-መላኺ ፕረዚደንት ኤርትራን መንእሰያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ዳርጋ ክልተ-ዓመት ዚዕምሩ ብግዳም ዚርአ ወግዓዊ ዕርክነት ብዘየገድስ፣ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዛጊት ብግብሪ ኣይተረጋገጸን፤ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዚጸንሐ መበገሲ ኰነ ቀንዲ ጠንቂ ናይ ተጻብኦ ድማ ጌና ኣይተፈትሐን ኣሎ። 

ዘመናዊት ኤርትራን እዛ ናይ እዋንና ኢትዮጵያን በቲ ብሕልኽላኻት ናይቲ ኣብቲ ናይ ሓባር ዶብ ዚዝርጋሕ ሓባራዊ ኤትኒካውን ባህላውን ተማስሎ ዚጽሎ፣ ታሪኽ ዘመዝገቦ ኣሸጋሪ ትረኻ ናይ ወራር፡ ኲናትን ግጭትን ዚልለ ግድላዊ ዝምድና ጸኒሑወን ኢዩ። ቀንዲ ሕመረት ናይዚ ግድላዊ ዝምድና’ዚ እቲ ኣብ መንጎ፡ ብሓደ ወገን፡ እቲ ግቡእ ኤርትራዊ ሃረርታ ንርእሰ-ውሳኔ፡ በቲ ካልእ ድማ፡ እቲ ኣስፋሕፋሒ ኢትዮጵያዊ ህርፋን ንግዝኣታዊ ዕቤት፡ ንነዊሕ እዋን ዚጸንሐ ተጻራርነት ኢዩ። ነዚ ታሪኻዊ ተጻራርነት’ዚ ዘይምፍታሕ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ክልተ ኣዕናዊ ኲናታት ሸሚሙ፣ ቀንዲ ጠንቂ ናይ ዘይተኣደነ ግን ከኣ ኪእለ ዚከኣል ዚነበረ ስቓይ፡ ዘስካሕክሕ ድኽነትን ሕሰም መነባብሮን ናይቲ ዓቢ ኣብዝሓ ናይ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኰይኑ ጸኒሑ። 

ግቡእን ደምዳምን ፍታሕ ናይዚ ታሪኻዊ ተጻራርነት’ዚ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ንክልቲኡ ህዝብታት ዘርብሕ ሰረት ናይ ነባሪ ሰላም፡ ፖለቲካዊ ምትሕግጋዝን ቍጠባዊ ምምልላእን ከንጽፍ ዓቢ ተኽእሎ ኣለዎ። ዞባዊ ሰላም፡ ድሕነትን ርግኣትን ኣብ ምዅስኳስ ንምብርካት’ውን ተኽእሎ ኣለዎ። ኣብዚ መበል 29 ዝክረ-ዓመት ናይቲ ታሪኻዊ ሓርነትን መበል 27 ዝክረ-ዓመት ናይቲ ወግዓዊ ኣዋጅ ልዑላዊ ናጽነትን ኤርትራ እንጽንብለሉ ዘለና እዋን’ዚ፣ እዛ ሓጻርን ሓፈሻዊትን ርእይቶ’ዚኣ ነቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዕዉት ምጕንጻፍ ሃገራዊ ርእሰ-ውሳኔ ከም ሃገረ መንግስቲ ኣብ ክሊ’ቲ ኣመዓባብላ ናይ ዘመናዊ ሃገረ መንግስትን ንቡራዊ ኣተሓሕዛ ሕቶ ዶብን ኣብዛ እዋናዊት ኣፍሪቃ ብምስራዕ፡ ኣብ መንጎ እዘን ጐረባብቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ነባሪ ሰላምን ምሕዝነታዊ ዝምድናታትን ከምርሕ ዚኽእል መንገዲ ንምሕባር ትዕልም።

  1. 1. ዘይቃዶ ታሪኻዊ ትረኻታት

ትረኻታት ቅኒተሕልና ናይ ህዝብታት ንምምእዛንን ንጕዕዞ ታሪኽ ዚቕይሩ ተግባራት ኰነ ምንቅስቓሳት ንምብጋስን ሓይሊ ኣለዎም። ሓጺር ምርምር ናይቲ ብዛዕባ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ እኩብ ስነጽሑፍ፡ እቲ በቶም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ልሂቃን (elites) ብዛዕባ’ቲ ቅድመ-መግዛእታዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚወሃብ ትረኻታት ኣካታዒ፡ ክርክራውን ተተፋናንን ኣቀራርባ ዚሓዘ ምዃኑ የመልክት። 

እቲ ኢትዮጵያዊ ትረኻ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ታሪኽ ናይ 3,000 ዓመታት ናጽነት ኣለዋ፣ ኣብቲ  እዋን ናይ ቅድመ-መግዛእቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ናይ ዘመናዊት ኤርትራን ገማግም ቀይሕ ባሕርን ታሪኻዊ ቍጽጽር ነይሩዋ ንምባል የገልግል። እቲ ኤርትራዊ ትረኻ ብወገኑ፡ ነቲ ንርእሱ ከም ክዉንነት ሓደ ዚዀነ ቅድመ-መግዛእታዊ ታሪኽ፡ ነቲ ኢትዮጵያዊ ትረኻ ንምፍራስን ነቲ ንነዊሕ እዋን ካብቲ ርሑቕ ጥንቲ ኣትሒዙ ዚጸንሐ ናጽነት ናይቲ ንዘመናዊት ኤርትራ ዘቕውም ዞባ ንምርግጋጽን የገልግል። ይዅን’ምበር፡ ክልቲኡ ትረኻታት ነቲ ምሉእ ሓቂ ዚገልጽ ኣይኰነን፤ ምስዚ ህሉው ኣህጕራዊ ቍመና ናይ ኤርትራ ድማ ዚዀነ ዘገድስ ምትእስሳር የብሉን። 

እቲ ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራን ሰሜናዊ ኢትዮጵያን ዘጕላዕለዐ ንግስነት ኣዅሱም ኣብቲ መወዳእታ ናይቲ ቀዳማይ ሚለንዩም ደድሕሪ ውድቀት ናይ ወደብ ኣዱሊስ ኣንቈልቊሉ። ሓንሳእ ካብቲ ገማግም ኣንሳሒቦም ኣብ ትሕቲ ቍርጽራጽ ተወዳደርቲ መስፍናዊ ጕልቲታት (fiefdoms) ተጐጃጂሎም ኣብቲ ከበሳዊ ዕርድታቶም ምስ ተዓቝቡ፣ እቶም ደቡብ ካብቲ ናይ መረብ-በለሳ-ሙና መስመር ዶብ (1) ዚሰፈሩ ሓበሻዊ (ኣቢሲንያዊ) ኣሃዱታት ንኣስታት ሓደ ሺሕ ዓመታት ካብ ቀይሕ ባሕሪ ተነጺሎም ነይሮም። እተን ተወዳደርቲ ጕልቲታት፡ ብመጠን’ቲ ተዛማዲ ሚዛን ሓይልታተን፡ ይስስና ወይ የንቈልቍላ ነይረን። 

ብዚተረፈ፡ ኣቢሲንያ (ኢትዮጵያ) ኣብ ዚዀነ እዋን፡ ቅድሚ’ቲ ኣብቲ መወዳእታ ርብዒ ናይ መበል 19 ዘመን ዚተፈጸመ ኤውሮጳዊ መግዛእታዊ ምሽማው ወይ ምምንጣል ንኣፍሪቃ፡ ንመላእ ግዝኣት ናይዛ ዘመናዊት ኤርትራ ይዅን ዋላ’ውን ናይዛ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ኣእትያ ኣይትፈልጥን ኢያ። እዘን ክልተ ሃገራት እዚአን ኣብቲ ቅድመ-መግዛእታዊ ታሪኽ ናይቲ ዞባ ከም ልሉያት ፖለቲካዊ ኣሃዱታት መጠን ስለዘይነበራ ድማ፣ ኤርትራ ኣካል ናይ ኢትዮጵያ ኣይነበረትን።

ኣብቲ እዋን ምጽኣት ኤውሮጳዊ ምሽማው ንኣፍሪቃ፡ እታ ሽዑ ዚተበራበረት ኢትዮጵያ ንገዛእ ርእሳ ግዳይ ናይ መግዛእታዊ ወራርን ፈጻሚት ናይ ግዝኣታዊ ምስፍሕፋሕን ነይራ። ንወራር ኢጣልያ ኣብ 1896 ምስ ኰለፈት፣ ምስቶም መግዛእታዊ ሓይልታት ኤውሮጳ፡ እናሻዕ ውዲት ብምእላም፡ እናሻዕ ብምውድዳር፡ ኲናታት ናይ ወራር እናካየደት ነተን ናይ ጐደቦኣ ግዝኣታት ጐቢጣ ብምንብርካኽ ኣስፋሕፈሐት፣ ብኡ ኣቢሉ ድማ ነዚ ህሉው ኣቀዋውማኣ ሓዘት። 

ሃጸይ መነሊክ ናይ ኣቢሲንያ (1889-1913) ዲፕሎማስያዊ ተቐባልነት ንምርግጋጽ፡ ዘመናዊ ኣጽዋር ንምርካብ ኰነ ግዝኣታት ንምጕባጥ፡ ነቲ ኤውሮጳዊ ውድድርን ህርፋንን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብጕርሒ መዝሚዙ። ብከምዚ ድማ፡ ንኦሮምያ፡ ሃራር፡ ወለጋ፡ ወላሞ፡ ጂማ፡ ካፋን ጎሙን ወሪሩን ጐቢጡን። ብርግጽ፡ እቲ ምልዓል፡ ግዝኣታዊ ምስፍሕፋሕን ፖለቲካዊ ውህደትን ናይቲ ኣቢሲንያዊ ኢምጰራጦርያ ምስቲ ኤውሮጳዊ ምሽማው ንኣፍሪቃ ብሓባር ዚመጸ ተርእዮ ኢዩ።

ብሓጺሩ፡ ዘመናዊት ኤርትራ፡ ምስታ ሽዑ ፉሕፉሕ እትብል ኣገዳሲት ንግዳዊ ማእከል ዚነበረት ኮዝሞፖሊታዊት ወደብ ኣዱሊስ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሕመረት ናይቲ ኣዅሱማዊ ንግስነት ዘቘመት ነበረት። ኰይኑ ግን፡ ውድቀት ናይ ኣዅሱም ንግዝኣት ናይዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ካብ ዚዀነ ቀጻሊ ምትእስሳር ምስተን ካብኡ ንሸነኽ ደቡብ በብእዋኑ ዚቕልቀላ፡ ዚስስና ወይ ዘንቈልቍላ ዚነበራ ፖለቲካዊ ኣሃዱታት፡ እንተላይ ምስታ ምስቲ ማእከላይ ከበሳ ቀረባ ናይ ሓባር ኤትኒካዊ፡ ቋንቋውን ባህላውን ተማስሎ ዘለዋ ትግራይ፡ ብዘይቅየር መንገዲ በተኾ። 

ብቐንዱን ብዚዓበየ መዳይን፡ እቲ ንዘመናዊት ኤርትራ ዘቘመ ግዝኣት ሓደ ዚተጐጃጀለ፡ ብዙሕ እዋን ገለ ክፋሉ ርእሰ-ምምሕዳራዊ ገለ ክፋሉ ድማ ዕብሉል ዞባ ኰይኑ ቀጺሉ። ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኢጣልያ ክሳብ ዚወድቕ ድማ፡ ዞባ ናይ ቍርቍስ ወይ ዓውደ ውግእ ናይ ባዕዳውያን ሓይልታት ነይሩ። ንኣብነት፡ ምጽዋዕን እቲ ምብራቓዊ ጎላጉልን ካብ 1557 ክሳብ 1872 ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዑስማናዊት ቱርኪ፡ ካብ 1872 ክሳብ’ቲ ኣብ 1885 ኣብ ኢድ ኢጣልያ ዚወድቕ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኸዲቫዊት ግብጺ ነይሩ (2)። ነቲ ኢትዮጵያዊ ጽውጽዋይ ንጐድኒ ገዲፍካ እምበኣርከስ፡ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ፡ ብመሰረቱ፡ ካብ ውድቀት ኣዅሱም ኣትሒዙ ክሳብ’ቲ ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ 1952 ዚተቘርነትሉ እዋን፡ ካብ ቍጽጽር ናይ ኣቢሲንያ ወይ ኢትዮጵያ ናጻ ዚዀነ ህላወ ነይሩዎ።

ስለዚ፡ እቲ ታሪኻዊ ክዉንነት፡ ንክልቲኡ፡ ማለት ነቲ እዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ብምሉኣ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኢትዮጵያ ነይራ ዚብል ኢትዮጵያዊ ምጕት ኰነ ነቲ ኤርትራ ናጻ ሃገር ነይራ ዚብል ኤርትራዊ ምጕት መርትዖ ይኸልእ። ምኽንያቱ፡ ቅድሚ 1890 ነዘን ሎሚ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዚበሃላ ፖለቲካዊ ኣሃዱታት እትመስል ዚዀነት ሃገር ስለ ዘይነበረት። እቲ መግዛእታዊ ትረኻ፡ ንህላወ ናይ ሓደ ርእሱ ዚኸኣለ ኤርትራዊ ታሪኽ፡ ወደባታዊ ኤርትራዊ ባህልታት ኰነ ሓባራዊ ስነኣእምሮኣዊ ኣቀዋውማ ናይ ኤርትራ ከም ናይ ሓባር ዓደቦ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ብዙሕነታቱ፡ ኪኽሕድ ይኽኣል’ምበር ኪስርዝ ከቶ ኣይክእልን ኢዩ። 

ብሓጺሩ፡ እቲ ቅድመ-መግዛእታዊ ታሪኽ ናይቲ ዞባ፡ ነቲ ክዉንነት ናይ ሓደ ኣዐሪዩ ዚማዕበለን ልሉይን ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ከፍርስ፣ ነቲ ግቡእነት ናይቲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዚተኻየደ ቃልሲ ከቈናጽብ ኰነ ነቲ ሓቀኛነት ናይ ዘመናዊ ኤርትራዊ ሃገርነት ከማህምን ከቶ ኣይክእልን ኢዩ። ልዕሊ ኵሉ ድማ፡ ነቲ ጽውጽዋይ ንጐድኒ ገዲፍካ፡ እዘን ዘመናዊ ሃገራት ናይ ኣፍሪቃ፡ እንተላይ ኤርትራን ኢትዮጵያ ንገዛእ ርእሳን ሓዊስካ፡ ውጽኢት ናይቲ ኤውሮጳዊ መግዛእታዊ ፕሮጀክት ኢየን።

  1. 2. ሃገረ መንግስቲ ኣብ ኣፍሪቃ

እዚ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሃገራዊ ግዝኣት መንግስታዊ መዝነትን ዘቤታዊ ሕጋዊ ስልጣንን ዚኽልል፣ ዚተሓንጸጸ፡ ርጉእን ዚተፈልጠን ዶብ ዘለዎ፣ ዘመናዊ ሃገረ መንግስቲ ኣብቲ ኦሪታዊ ታሪኽ ናይ ኣፍሪቃ ፈጺሙ ኣይነበረን። ኣብታ ካብ ጥንታዊ መዋእል ኣትሒዙ ንኣሽሓት ዓመታት፡ ኣብ ዚተፈላለየ ዞባታት ናይታ ክፍለ-ዓለም፡ ልሉያት ኢምጰራጦርያታትን ንግስነታትን ዚተስኣላን ዚወደቓላን ቅድመ-መግዛእታዊት ኣፍሪቃ፣ እቲ ኣምር ናይ ዶብ፡ ከም ሓደ ኣብቲ ክሉ ሃገራዊ መንግስታት ምምሕዳራዊ ቍጽጽር ዘረጋግጻሉ፡ ወግዓዊ ልዑላዊ መዝነት ዘሰላስላሉ፡ ዘቤታዊ ሕጋዊ ስልጣን ዘተግብራሉ፡ ቀዋምን ብኣህጕራዊ ደረጃ ዚተፈልጠን ደረታት ናይ መሬታዊ ግዝኣት ዚውስን ሕንጻጽ፡ ኵሉዅሉ ኣይነበረን። እቲ ኣብነታት ነቲ ንግስነት ናይ ኣዅሱም፡ ነቲ ንግስነት ናይ ጋና፡ ነቲ ኢምጰራጦርያ ናይ ማሊ፡ ነቲ ኢምጰራጦርያ ናይ ሶንግሃይ፡ ነቲ ንግስነት ናይ ዚምባብወ፡ ነቲ ንግስነት ናይ ሙታፓ፡ ነቲ ንግስነት ናይ ኮንጎ የጠቓልል (3)።

ስርዓተ መንግስትን እቲ መሰነይታኡ ዚዀነ ኣምር ናይ ግዝኣታዊ ልዑላውነትን፡ ኣብዛ ናይ እዋንና ኣፍሪቃ ብመሰረቱ ውጽኢታት ናይቲ መግዛእታዊ ተመኵሮ ኢዮም። መበቈል ናይቶም ነታ ናይ ድሕረ-መግዛእቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዚውስኑ ቀወምቲ ዶባት እቲ ብሃጸያዊት ኤውሮጳ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ መበል ዓሰርተው ትሽዓተን መፈለምታ ናይ መበል ዕስራን ዘመናት ዚተፈጸመ ምምቃልን ምክፍፋልን ናይታ ክፍለ-ዓለም ኢዩ። እቲ ድምር ስምብራት ናይቲ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ መበል ዓሰርተው ሸሞንተን መፈለምታ ናይ መበል ዓሰርተው ትሽዓተን ዘመናት ዚተኸስተ ፖለቲካዊ ሰውራ ኣብ ፈረንሳን ቍጠባዊ ሰውራ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን፣ ነቲ ንፖለቲካዊ ኣቀዋውማ ናይ ኤውሮጳ ዚቐየረ ዌስትፋልያዊ ስርዓተ መንግስቲ ፈጢሩ። እቲ ዋንነት ናይ ግዝኣት ከም “ቅድመ-ኵነት ንምስልሳል ናይ ግቡእ ወይ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ኣህጕራዊ ደረጃ” ዘቐምጥ ኤውሮጳዊ ስርዓተ መንግስቲ ደፋእ እናበለ ናብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ (4)። 

እቲ ምዝርጋሕ ናይቲ ዌስትፋልያዊ ስርዓተ መንግስቲ ናብ ኣፍሪቃ ብመንገዲ መግዛእታዊ ጐበጣ ኣቢሉ ኢዩ ተፈጺሙ። በቲ እናዓበየ ዚኸደ ጠለብ ንኣፍሪቃዊ ጕልበት፡ ጥረ ነገራት፡ ማዕድናትን ዕዳጋታትን ብምድራኽ፣ እታ ሽዑ እትለዓል ዚነበረት ኤውሮጳ ንኣፍሪቃ ንምጕባጥን ንምምቕቓልን ኣብ ምሽማው ኣተወት (5)። ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ ዋዕላ በርሊን፡ “ኤውሮጳ ንኣፍሪቃ ወሪራ፣ ዋንነት ናይ ኣፍሪቃ ጨቢጣ፣ ንኣፍሪቃ ናብ ግዝኣታት ናይ ኤውሮጳ መቓቒላ” (6)። ንረብሓታት ናይተን ሃጸያውያን ሓይልታት ኣብ ምስልሳል፡ እቲ መግዛእታዊ ስርዓት ነቲ ነዚ ህሉው ፖለቲካዊ ካርታ ናይ ኣፍሪቃ ዚቐረጸ ሓደስቲ ግዝኣታዊ ኣሃዱታት ጐዛዝዩ።

“እቲ ንኣፍሪቃ ንምምቕቓል ኣብ 1884-85 ዚተኻየደ ዋዕላ በርሊን ወግዓዊ ጅማሮ ናይቲ ምስግዳድ ናይቲ ኤውሮጳዊ ግዝኣታዊ ሞደል ኣብታ ክፍለ-ዓለም ኣመልኪቱ” (7)። እቲ ዋዕላ፡  “ዲፕሎማሲ፡ ስልጣናዊ ፖለቲካን ኣህጕራዊ ሕግን” ብምጥቃም፣ ነቲ ኣብ መንጎ’ተን ሽዑ ዚትስኣ ዚነበራ ሃጸያዊ ሓይልታት ኤውሮጳ እናዓበየ ዚኸይድ ዚነበረ ውድድር ንግዝኣታት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ፣ ነቲ ምሽማው ንኣፍሪቃ ርትዓዊ መልክዕ ንምልባስ፣ ኣብ ግጭት ብዘይ ምእታው መግዛእታዊ ምስፍሕፋሕ ንምስላጥ፣ ሓደ ሕጋውን ፖለቲካውን መቓነስራሕ ንምውዳድ ዚዓለመ ነበረ (8)። ብመሰረቱ፡ እቲ ሓፈሻዊ  ድንጋገ (General Act) ናይ ዋዕላ በርሊን ነቲ ኤውሮጳዊ ምሽማው ንኣፍሪቃ ሸምጊሉን ነቲ መግዛእታዊ ጐበጣ፡ ግዝኣታዊ ምምቕቓልን ፖለቲካዊ ዕብለላን ናይታ ክፍለ-ዓለም ባሪኹን።

እቲ ዚሰዓበ ምምቕቓል ናይ ኣፍሪቃን ምሕንጻጽ ናይ መግዛእታዊ ዶባትን፡ እቶም ሃጸያውያን ሓይልታት ነቲ ከባብያዊ ኵነታት ኣብ ግምት ብዘይ ምእታው ዘስገደዱዎ ሃውራዊ ተግባራት ኢዩ ነይሩ (9)። “እቶም መግዛእታዊ ሓይልታት ንዚተፈላለዩ ጀኦግራፍያዊ ዞባታትን ኤትኒካዊ ጕጅለታትን ናብ ብሰብ-ሰርሖ (artificial) ዚተሃንጻ ፖለቲካዊ ኣሃዱታት ኣኪቦም”፡ ብዙሕ ግዜ ነቲ ከባብያዊ ክዉንነት ኰነ ነቲ ረብሓታት ናይቶም ዚትንከፉ ህዝብታት ግምት ብዘይ ምሃብ “ኤትኒካዊ ጕጅለታት ጐዛዚዮም፡ ህዝብታት መቓቒሎም” (10)። ብግብሪ፡ እቶም  መግዛእታዊ ሓይልታት ኤውሮጳ ኣብ ካርታ ናይ ኣፍሪቃ፡ ሰብ-ሰርሖ ግዝኣታዊ ሕንጻጻት ዘመልክት መስመራት ከም ዶባት ስኢሎም ሕብረብሄራዊ ሃገራት ብምፍጣር ንብሄራት ብሃውራዊ ኣገባብ ብመልክዕ ሃገራዊ ዶባት ፈናጪሎም (11)።

ንሳዕቤናት ናይቶም ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ሰብ-ሰርሖ ሕንጻጻትን ሃውራዊ ምክፍፋላትን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምርዳእ፡ ክልተ ካብቶም ኣዝዮም ጕሉሓት ኣብነታት ምጥቃስ ይኣክል፡- (1) እቲ ኣብ መንጎ’ተን ሓሙሽተ ኣሃዱታት ናይተን ናይ ሽዑ ብሪጣንያዊት ሶማሊላንድ፡ ፈረንሳዊት ሶማሊላንድ፡ ኢጣልያዊት ሶማሊላንድ፡ ብሪጣንያዊት ኬንያን ሃጸያዊት ኢትዮጵያን ዚተፈጸመ ምጕጅጃል ናይ ህዝቢ ሶማልያ፤ (2) እቲ ኣብ መንጎ’ተን ናይ ሽዑ ፈረንሳዊት ሶማሊላንድ፡ ኢጣልያዊት ኤርትራን ሃጸያዊት ኢትዮጵያን ዚተፈጸመ ምጕጅጃል ናይ ህዝቢ ዓፈር። እተን ብከምዚ ኣገባብ’ዚ ኣብ መላእ’ታ ክፍለ-ዓለም ዚተሃንጻ መግዛእታዊ ግዝኣታት ናብተን መግዛእታዊ ሃገረ መንግስታት፡ ኣብ መወዳእትኡ ድማ፡ ናብተን ናጻ ሃገረ መንግስታት ናይዛ ናይ ዘመንና ኣፍሪቃ ማዕቢለን። 

  1. 3. ሕቶ ዶብ ኣብ ኣፍሪቃ

ሕቶ ዶብ ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ድሕረ-ናጽነታዊ ስክፍታታት ናይታ ክፍለ-ዓለም ኰይኑ ጸኒሑ። ኣብ ዘመናዊት ኣፍሪቃ፡ እቲ ኣምር ናይ ሓደ ቀዋሚ፡ ርጉእን ብኣህጕራዊ ደረጃ ዚፍለጥን ዶብ፡ ከም ውጽኢት ናይቲ ግዝኣታዊ ምምቕቓልን መግዛእታዊ ጐበጣን ናይታ ክፍለ-ዓለም፡ ኣብ መሬት ኣፍሪቃ ዚተቐርጸ ኤውሮጳዊ ኣሰራርዓ ኢዩ። ከምቲ ልዕል ኢሉ  ዚተገልጸ፡ መግዛእታዊ ሓይልታት ኤውሮጳ ነዘን ዘመናዊ ሃገረ መንግስታት ናይ ኣፍሪቃ ጐዛዝዮም፡ ቅርጺ ኣትሒዞምን ሰኒዖምን። 

እቶም ሓደስቲ ሃገራዊ ዶባት ነቲ ረብሓታትን ልምዳዊ ዝምድናታትን ናይቶም ዚምልከቶም ህዝብታት ኣብ ግምት ብዘየእተወ፣ ኣብ መብዛሕትኡ ዞባታት ናይ ኣፍሪቃ ድማ፡ ንኮማት ናብ ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ ዚዀኑ ዚተፈላለዩ መግዛእታዊ ስርዓታት ዚጐጃጀለ ወዝባዊ ኣገባብ ዚተሓንጸጹ ኢዮም። ኣብቲ መስርሕ፡ እቲ መግዛእታዊ ስርዓት ንመብዛሕትኡ ቅርጽታት ናይቲ ልምዳዊ ኣፍሪቃዊ ናጽነት፡ መዋቕራት ናይ ስልጣንን ርእሰ-ምሕደራን ኣማህሚኑ ወይ ብምሉኡ ሰሪዙ (12) ነቲ ኤውሮጳዊ ዌስትፋልያዊ እማረ ናይ ሃገረ መንግስቲ፡ ግዝኣት፡ ልዑላውነት፡ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ዜግነትን ኣደልዲሉ (13)። 

ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (ውሓኣ) ኣብ 1963 ኣብ ዚተመስረተሉ፡ መትከል ብጹእነት ናይቲ ኣብ እዋን ምጕንጻፍ ናጽነት ዚነበረ፡ ካብ መግዛእቲ ዚተወርሰ ሃገራዊ ዶባት ኣጽዲቑ፤ ነቲ በቶም ፓን-ኣፍሪቃውያን መራሕቲ፡ ምእንቲ ፖለቲካዊ ሕብረት ናይ ኣፍሪቃ፡ ንመግዛእታዊ ዶባት ናይ ኣፍሪቃ ዳግም ንምሕንጻጽ ዚቐረበ ምጕት ነጺጉ። እቲ ቻርተር ውሓኣን እቲ ናይ 1964 ውሳኔ ካይሮን (14) ግዝኣታዊ ምሉእነት ኣብ ክሊ’ቲ መግዛእታዊ ዶብ ከም ቀንዲ መትከል ናይቲ ውዱብ ኮም ናይ ልዑላውያን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣስፊሩ። እዚ ድማ ነቲ መግዛእታዊ ውርሻ ናይቲ ዌስትፋልያዊ ስርዓተ መንግስቲ ወይ ሃገር ኰነ ነቲ ምፍንጫል ናይታ ክፍለ-ዓለም ንምዕቃብ ዚዓለመ ኢዩ። ኣፍሪቃዊ ሕብረት (ኣሕ) ንውሓኣ ምስ ተክአ ድማ፡ እቲ መስራቲ ድንጋገኡ (Constitutive Act) ንብጹእነት ናይ መግዛእታዊ ዶባት ኣረጋግጹ።

  1. 4. እቲ ድሕረ-ናጽነታዊ ተመኵሮ

እቲ ንጐበጣ ኢትዮጵያ ኣብ መፈጸምታ ዘብጽሐ ሓርነት ናይ ኤርትራ፡ ኣብ ግንቦት 1991፡ ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ኣብ ኣስመራ ስልጣን ኣትሒዙ። እቲ ዘሰነዮ ምዕላው ናይቲ ወተሃደራዊ ስርዓት ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ወይ ደርግ ድማ፡ ነቲ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዚዕብለል ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ኢትዮጵያ (ሰደምህኢ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስልጣን ኣትሒዙ። እቲ ናይቶም ኣብቲ እዋን ኲናት ሰብ ኪዳን ዚነበሩ ሓይልታት ናብ ስልጣን ምድያብ ርኡይ ምፍታሕ ናይቲ ታሪኻዊ ተጻራርነትን ምጽኣት ናይ ሓደ ሓድሽ መዋእል ናይ ነባሪ ሰላም ኣብ መንጎ ናጻ ደሞክራስያዊት ኤርትራን ሓራ ደሞክራስያዊት ኢትዮጵያን ኣበሰረ። ናጽነት ኤርትራ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚተፈጸመ ግዱድ ሕብረት ኣፍሪሱ ክልተ ልዑላውያን ሃገራት ፈጢሩ። 

ሰላማዊ ምስሳይ ናይዚ ሓድሽ ክዉንነት’ዚ፡ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ርጉእ ስግግር ናብ ምዉቕ ዝምድና ከረጋግጽ ኣብ ዘኽእል እኩብ ናይ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ንግዳውን ስርርዓት ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ የድሊ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ንክልተኣዊ ዝምድናታተን ብደረጃ ሃገር፡ መንግስቲ፡ ግንባር፡ በርጌሳዊ ሕብረተሰብን ህዝብን ትካላዊ ኣገባብ ከትሕዛን ከስፍሓን የድሊ ነይሩ። ሽዑ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲታት’ዚ እንተ ዚውሰድ ነይሩ፡ ነቲ ተኸሲቱ ዚነበረ ዕቑር ፖለቲካዊ ድሌት ብምሕያል፡ ነቲ ትራፍ ዝሕታለ ናይ ሓደ ኣከራኻሪ ታሪኻዊ ትረኻ ኰነ ጥቕማዊ ኪዳን ከሰንፍን ኣብ መንጎ ክልቲአን ልዑላውያን ሃገራት ምሕዝነታዊ ዝምድናታት፡ ጥቡቕ ምትሕግጋዝን ነባሪ ሰላምን ንምስሳን ኪሕግዝን ምኸኣለ ነይሩ። 

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብተን ኣብ መንጎ ሓርነት ናይ ኤርትራ ኣብ ግንቦት 1991 ምውላዕ ናይ ተጻብኦታት ኣብ ግንቦት 1998 ዚነበራ ሸውዓተ ዓመታት ምዉቕ ዝምድና ነይሩወን። ንሳተን ናይ ሓባር ኮሚሽናት መስሪተን፣ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታዊ፡ ቍጠባዊ፡ ንግዳውን ማሕበራውን መዳያት ኣዝዩ ዚጠበቐ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕ ሓያሎ ስምምዓት፡ እንተላይ ውዕል ሓድሕዳዊ ምክልኻል፡ ፈሪመን። ኣብቶም ከም ቅልውላው ናይ ሶማልያ፡ ስግኣት ናይ ጥሩፍ ፖለቲካዊ ምስልምና ኣብ ሱዳንን ዳግመ-ምሕዋይ ናይቲ በይነ-መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓትን (IGAD) ዚኣመሰሉ ዓበይቲ ዞባዊ ጕዳያት፡ ግዳማዊ ሜላን ዲፕሎማስያዊ ስራሕን ንምውህሃድ ተበግሶታት ጀሚረን ነይረን። 

እቲ ሓድሽ ዝምድና፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ መወዳእትኡ ሰላም ከረጋግጻ ምኽኣለን፡ኣብ መንጎ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ ምትሕግጋዝን ቍጠባዊ ውህደትን ንምድንፋዕ ከም ሕመረት ንምግልጋል ዓቢ መብጽዓ ኣበሲሩን ልዑል ተስፋታት ኣሕዲሩን። ይዅን’ምበር፡ ኣብ ትሕቲ’ቲ ኣጋጋዪ ግዳማዊ መርኣያታት ናይ ጥቡቕ ምትሕግጋዛዊ ዝምድና፡ ኣብ ሓያሎ ኣገደስቲ ጕዳያት ድጉል ዘይምስምማዕ ነይሩ ኢዩ። እቶም ዘየሰማምዑ ጕዳያት ዚተፈላለዩ ራእይታት ናይ ኣተሃናንጻ ሃገር፡ ዘይቃደዉ ሜላታት ናይ ሃገራዊ ልምዓት፡ ዘይምርድዳእ ኣብ ምስልሳል ንግዳዊ ፋይናንስ፡ ጸገማት ኣብቲ ወሰናስን ዶብ ዘጠቓልሉ ነበሩ። እቶም ጕዳያት ናይ ዘይምስምማዕ ንገዛእ ርእሶም ሽግር ኣይነበሩን። የግዳስ፡ እቲ ሽግር ኣብቲ ባህርይ ናይቲ ኣብ መንጎ’ተን ክልተ ሃገራት ዚነበረ ዝምድናን ኣብቲ ነቶም ዘይምስምማዓት ብግቡእ ኣተሓሕዛ ንምፍታሕ፡ ንምቅላል ወይ ንምግታእ ዘገልግል ብኵራት ናይ ትካላውን ሕጋውን ኣገባባት ነበረ።

ዝምድናታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብቶም መራሕቲ ህግደፍን (ኣብ 1994 ንህግሓኤ ዚተክአ) ህወሓትን ተደሪቱ፡ ኣብ ላዕሊ ኢዩ ዚካየድ ነይሩ። ጕዳያት ናይ ሃገር ከም ውልቃዊ ንብረት ተታሒዞም (ተወልቂዎም)፣ እተን ነቶም ጕዳያት ንምስልሳል ዚተመዘዛ ሃገራዊ ኰነ መንግስታዊ ትካላት ተዋሲነን። ኣብ መንጎ’ቶም ክልተ መራሕቲ ብሕታዊ ዝምድናታት ጽቡቕ ክሳብ ዚነበረ፡ እቲ ስርርዕ ሰላማዊ ነይሩ። እቲ ብሕታዊ ዝምድናታቶም ምስ ሓሽከረ ግን፡ ነገራት ተበላሺዮም። እቲ ምስሕሓብ ናብ ምጕንናጽ ምስ ተቐየረ ድማ፡ ምትፍናን ዓብሊሉ። እቲ ብኵራት ናይ ለባም መሪሕነትን ኣስተውዓሊ ኣተኣላልያን ናብ ምብራዕ ናይ ኲናት ኣምሪሑ። እቲ ጥምጥም ሓንሳእ ምስ ተኣትወ፡ ክልቲኦም ወገናት ንግዝኣታዊ ልዑላውነት ከም ወላዒን ምኽኒተ-ኲናትን ናይቲ ዶባዊ ኲናት ተጠቒሞሙሉ። 

  1. 5. ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን

ኣብ ላዕሊ ከም ዚተገልጸ፡ እቲ ኣተሃናንጻታት፡ ጀኦፖለቲካዊ ኣቀዋውማታት ኰነ ኣህጕራዊ ዶባት ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዳርጋ ከምቲ ናይ  ኵለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ውጽኢት ናይ ሃጸያዊ ምክፍፋል፡ ጐበጣን ምምቕቓልን ናይ ግዝኣት ኢዩ። እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኣህጕራዊ ዶብ በቶም ኣብ መንጎ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ኣብ 1900፡ 1902ን 1908ን ዚተፈረሙ ሰለስተ ውዕላት ብንጹር ዚተሓንጸጸ ኢዩ። እቶም ሰለስተ መግዛእታዊ ውዕላት ነቶም ሰለስተ ክፋላት ናይቲ ምሉእ 1,000 ኪሜ ዚንውሓቱ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብመንገዲ ወሓይዝን (ኣፍላጋት) ጀኦሜትራዊ ሓበርትን ብምምልካት ይውስኑ። ስለዚ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ናይ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ ሓደ ካብቶም ብኣዝዮም ንጹራት ምልክታት ዚተደረቱ ዶባት ኣብ ኣፍሪቃ ይዅን ኣብ ዓለም ኢዩ። 

እቲ ብከምዚ ዚተደረተ፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዚፈላሊ ኣህጕራዊ ዶብ ንሓደ ምሉእ ዘመን፡ ከም ዘለዎ፡ ከይተተንከፈ ጸኒሑ። እቲ ታሪኻዊ ናይ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ፡ ካብ ምውላድ ኤርትራ ከም ግዝኣት ኢጣልያ ኣብ 1890 ኣትሒዙ ክሳብ’ቲ ብኢትዮጵያ (ህወሓት) ንረብሓኣ ዚተፈጸመ በይናዊ ዳግመ-ምሕንጻጽ ናይቲ ዶብ ኣብ 1997፡ እሞ ሽዑ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይኰነስ፡ ኣብ መንጎ ህግሓኤን ህወሓትን ሰበብ ናይ ውጡር ምስሕሓብ ዚዀነሉ እዋን፡ ብጕሉሕ መልክዕ ርጉእ ጸኒሑ። 

ብዚተረፈ፡ ኤርትራ ምሉእነት ናይ ግዝኣታን ኣቀዋውማ ናይ ዶባታን፡ ከምቲ በተን ሰለስተ  መግዛእታዊ ውዕላት ዚተሓንጸጾ፡ ዓቂባ ጸኒሓ ኢያ። እቲ ዶብ፡ ኣብቲ እዋን ኢጣልያዊ መግዛእቲ (1890-1941)፡ ብሪጣንያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር (1941-1952) ኰነ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ (1952-1962)፡ ወግዓዊ ኣህጕራዊ ቍመንኡ፡ ብሕግን ብግብርን፡ ሒዙ ጸኒሑ ኢዩ። ዋላ ኣብቲ ኣብ መንጎ ጐበጣ ኢትዮጵያ ኣብ 1962ን ሓርነት ኤርትራ ኣብ 1991ን ውሽጣዊ ዶብ ዚነበረሉ እዋን፡ ሕጋዊ ኣህጕራዊ ቍመንኡ ዓቂቡ ጸኒሑ ኢዩ።

እቲ ርጉእ ኣህጕራዊ ቍመና ናይቲ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ በቲ ናይ 1950 ፈደራላዊ ውሳኔ ናይ ሕቡራት ሃገራትን በቲ ናይ 1993 ናይ ኤርትራ ኣዋጅ ልዑላዊ ናጽነትን ተባሪኹ ኢዩ። እቲ ግብራዊ ምፍራስ ናይታ ኢምጰራጦራዊት ሃገረ ኢትዮጵያ ድማ፡ ምፍልላይ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 1991፡ ምጕንጻፍ ሕጋዊ ናጽነት ናይ ኤርትራን፡ ምስ ምሉእነት ናይቲ ንሓደ ሚእቲ ዓመት ዚጸንሐ መግዛእታዊ ዶባታ፡ ኣስዒቡ። ናጽነት ኤርትራ ነቲ ናይ ውሓኣን ኣሕን መትከል፡ ሜላ ኰነ ልምዲ ናይ ዘይተጠሓስነት ወይ ብጹእነት ናይቲ ኣብ እዋን ናጽነት ዚነበረ መግዛእታዊ ዶባት ኣረጋጊጹ። 

እቲ ናይ ኢትዮጵያ በይናዊ ዳግመ-ምሕንጻጽ ናይቲ ዶብ ኣርባዕተ ዓመታት ድሕሪ’ቲ ናጽነት ናይ ኤርትራ ኢዩ ተፈጺሙ። እቲ ብሄራዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ብሓገዝ ናይቲ ጀርመናዊ ወኪል ተክኒካዊ ምትሕግጋዝ (GTZ ሕጂ GIZ)፡ ሓደ ነቲ ታሪኻዊ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ ብበይናዊ ኣገባብ ንረብሓኡ ዳግም ዚሓንጸጸ ካርታ ናይ  ምምሕዳራዊ ዞባ ትግራይ (15) ኣውጺኡ (ዚጐልሐ ቦታታት ኣብ ካርታ 1ን ካርታ 2ን ርአ)። እቲ ካርታ፡ ኣብቲ ብበዓል ስልጣን ካርታ ኢትዮጵያ (Ethiopian Mapping Authority) ዚወጸ ሓድሽ ካርታን ኣብቲ ሓድሽ ሕታም ባጤራ ናይ ኢትዮጵያን ተቐዲሑ ብምውጻእ፡ ነቲ ኣህጕራዊ ዶብ ናይ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሓደ ምሉእ ዘመን (16) ቀይሩዎ። 



ካርታ 1፡- ብሄራዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ


ብተወሳኺ፡ ንኢትዮጵያ (ብሄራዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ) ምዱብ ሰራዊትን ሓይልታት ሚሊሻን ብምውፋር፡ ቅድሚኡ ብደረጃ መንግስታት ኣከራኺሩ ዘይፈልጥ ቦታታት ናይ ልዑላዊ ግዝኣት ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢ ባዳን (ዓዲ ምሩግ) ባድመን፡ ኣብ መንጎ 19ን 26ን ሓምለ 1997፡ ንምጕባጥ፣ እቶም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ዚተተኽሉ ኣመልከትቲ ዶብ ኣብ ከባቢ ባድመ እናተማሕዉ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ንምድፋእ (‘ምጥራር’)፣ ከባብያዊ ኤርትራዊ ምምሕዳራዊ መዋቕራት ንምፍራስ፣ ኢትዮጵያዊ ዜግነት ምውሳድ ንዚኣበዩ ሓረስቶት ኤርትራ ንምስጓጕ፣ ኣብቲ ሓድሽ ዚተጐብጠ ኤርትራዊ ግዝኣታት ትግራዋይ ስልጣን ንምምስራት፣ ከም መርሓ ውጥን (blueprint) ኣገልጊሉ። እቲ ኣህጕራዊ ዶብ ብምጥሓስ፡ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኤርትራ ዚተፈጸመ ግህሰታት ኰነ እቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ዚተፈጸመ ግፍዕታት፡ ብመሰረት ኣህጕራዊ ሕጊ፡ ተግባራት ናይ ወራር ኢዩ። 



ካርታ 2፡- ብሄራዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ


እዚ ተግባራት’ዚ ኣብቲ ዚተጣሕሰ ዶባዊ ዞባታት ምምዝባል ናይ ብኣሽሓት ዚቝጸር ህዝብን ምብትታን ናይ ስድራቤታትን፡ ኣብቲ ወሰናስን ናይቲ ዶባት ድማ፡ ዝርገት ናይ ርግኣት ኣስዒቡ (17)። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ናይታ ሃገርን ድሕነት ናይ ዜጋታታን ንምክልኻል ዘለዎ ቀንዲ ሓላፍነት ኪስከም ኣይከኣለን። ብዘይካ’ተን ካብ ‘ኢሳያስ’ ናብ ‘ብጻይ መለስ’ ኣብ ነሓሰ 1997 ኣብ ርእሰ-ደብዳበ ወይ ማሕተም ዘይብሉ ብጣስ ወረቐት ብኢድ ዚተጻሕፋ ክልተ ዘይወግዓዊ ደብዳበታት (18)፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር’ቲ ቅሉዕ ሰላሕታዊ ጥሕሰታት ናይ ግዝኣት ኤርትራ ኰነ ምክልባት ዜጋታት ኤርትራ ዚዀነ ወግዓዊ ተቓውሞ ከቕርብ ይዅን ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ ኪወስድ ኣይከኣለን። 

ነቲ ዚሰዓበ ወጥሪ ብመንገዲ እዋናውን ትካላዊ ኣገባብ ዚሓዘን ክልተኣዊ ምይይጥ ወይ ልዝብ ንምህዳእን ነቲ ጕዳይ ንምፍታሕን ዘይምኽኣል፡ ኣብ መወዳእትኡ ናብ  ምብራዕ ናይ ተጻብኦታት ደፋፊኡ። እቲ ኣብ 6 ግንቦት 1998፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣብ ሓለዋ ዚተዋፈረት ኤርትራዊት ጋንታ ዚተፈጸመ፡ መቕተልቲ ናይ ሽዱሽተ መኰነናት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (ሓምኤ) ዘስዓበ (18) ኢትዮጵያዊ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ 10-13 ግንቦት 1998 ብርቱዕ ኤርትራዊ መልሰ-ግብሪ ተዅቲኹ። ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ብወራር ብምኽሳስ፡ ኣብ 13 ግንቦት 1998 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኲናት ብወግዒ ኣዊጃ። ብኵራት ናይ ብቑዕ ኣተኣላልያ ብክልቲኡ ወገናት ነቲ ጕዳይ ናብ ምፍጣጥ ኣብጺሑ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምውላዕ ናይ ምሉእ ኲናት ኣስዒቡ።  

እቲ ብመሓዙት ናይ ክልቲአን ሃገራት ዚዀኑ ሳልሳይ ኣካላት [ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሕመኣ)፡ ሕመኣ-ርዋንዳ፡ ጂቡቲ፡ ውሓኣ] ዚተኻየደ ፈተነታት ኣህጕራዊ ሽምግልና፡ ብቐንዱ ብሰሪ’ቲ ትዕቢተኛን ዘይሓላፍነታውን ንቕጽና ናይ ኢሳያስ (19)፡ ነቲ ምዕራግ ናይ ተጻብኦታት ንምግታእ ስለ ዘይከኣለ፣ እተን ክልተ ጐረባብቲ ኣብ ዘየድሊ፡ ኪእለ ዚከኣል ዚነበረ፡ ካብ ግንቦት 1998 ክሳብ ሰነ 2000 ዚተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት ተነቚተን። 

ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዚጸልመተ ጐድኒታት ናይቲ ኲናት እቲ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ፡ ብራስያ ናይ ኵሉ ንብረቶምን ምሉእ ህይወቶም ሰሪሖም ዘጥረዩዎ ሃብትን ዚተሰነየ፡ ብመሰረት ዜግነቶም ወይ ዜግነታዊ መበቈሎም [ወይ፡ ከምቲ እቲ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ኢትዮጵያ ዚነበረ ኣቶ መለስ ዜናዊ ዚገለጾ፡ ‘ሕብሪ ዓይኖም’ ስለ ዘይተፈትወ (19)] ዚተኻየደ ጃምላዊ ጥርዝያታት ናይ ንጹሃት በርጌሳውያን ነበረ። እቶም ዚተጠረዙ እንተላይ ኣብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ቍጠባዊ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት (ሕሃ) ንኣፍሪቃን ካልኦት ትካላት ሕሃ ኣብ ኢትዮጵያን ዘገልግሉ ዚነበሩ ኣህጕራዊ ሰራሕተኛታት ኢዮም። እዚ ድማ ነቲ ውዕል ቬናን እቶም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕሃን ኰነ ኢትዮጵያን ውሓኣን ዚተፈረሙ ስምምዓት ኣጠቓቕማ ዋና ቤት ጽሕፈት (Headquarters’ Agreements) ዘረጋግጹሎም ዲፕሎማስያዊ ብዩንነቶም (immunity) ብምጥሓስ ዚተፈጸመ ኢዩ። 

ስምምዕ ኣልጀርስ ነቲ ኲናት መኸተምታ ብምግባር ንክልቲአን ሃገራት ነቲ ዶባዊ ግጭተን፡ ብመሰረት’ቲ መግዛእታዊ ውዕላትን ተፈጻምነት ዘለዎ ኣህጕራዊ ሕግን፡ ብመንገዲ ደምዳምን ቀያድን ዕርቂ ንምፍታሕ ኣብ መብጽዓ ኣእትዩ። ሓደ ገለልተኛ ኣካል፡ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን (ኮዶኤኢ)፡ ነቲ ዶብ ደሪቱ ኣብ መሬት ንምኽላል ተበጊሱ። 

ኮሚሽን ዶብ፡ በቲ ንሓሙሽተ ዓመታት፡ ካብ 12 ሚያዝያ 2002 ኣትሒዙ ክሳብ 30 ሕዳር 2007፡  ብዀለል ዘረብረበ ዕግታ ወይ ዕንቅፋት ናይ ኢትዮጵያ ምሒር ብምቝጣዕ፡ ቨርችዋል ክለላ (virtual demarcation) ናይቲ ዶብ ብምእዋጅ ስርሑ ዓጽዩ። እቲ ናይ ኢትዮጵያ እብየት ምቕባልን ምትግባርን  ውሳኔታት ምድራትን ምኽላልን ኮሚሽን ዶብ፡ ነቲ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ዓመታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ኢትዮጵያ ንውሳኔታት ኮሚሽን ዶብ ብዘይኵነት ከም እትቕበልን ንምትግባሩ ቅርብቲ ምዃናን ምስ ኣወጀ ብወግዒ ዘኸተመ ኵነት ናይ ‘ኣይኲናት፡ ኣይሰላም’ ኣስዒቡ።

  1. 6. እቲ ጀኦፖለቲካዊ ኣሰራርዓ

ኣብ መፋርቕ 2018፡ ዓለም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክስተት ናይ ሰለስተ ሃንደበታዊ ምዕባለታት ተዓዚባ። ቀዳምይ፡ ሕዳሰ-ምሕዝነት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፤ ካልኣይ፡ ምልዓል ናይቲ ብሕሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዚተስገደደ እገዳ፤ ሳልሳይ፡ ምፍራም ስሉሳዊ ስምምዕ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ሶማልያን።

እዚ ምዕባለታት’ዚ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እቲ ዘመነ መሪር ተጻብኦን ድስኩል ግጭትን ኣብቂዑ፣ መስርሕ ምሕዋይ ናይቲ ዘየድሊ፡ ኪውገድ ዚከኣል ዚነበረ፡ ኣዕናዊ ኲናት ዘስዓቦ ቍስሊ ንምጅማር፤ እቲ ዕርቂ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም፡ ድሕነትን ርግኣትን ንምትብባዕ፤ ርጉእ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ፡ ኣብቲ ዞባ ንሓድሽ ዝምድና ናይ ፖለቲካውን ቍጠባውን ምትሕግጋዝ ዘመቻችእ ሃዋህው ንምፍጣር፤ ልዑል ተስፋን ዓቢ ትጽቢታትን ፈጢሩ።

እቲ ኣጽፋር ናይቲ ኣብቲ ኣዝዩ ስትራተጅያዊ ግን ከኣ ኣመና ተቐያያሪ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ስርዓተ ግጭት ናብቲ ጐደቦኡ ዚዀነ ጋብላ ቀይሕ ባሕርን ጋብላ ፈለግ ኒልን ከም ዚዝርጋሕ ኣዐርዩ ንጹር ኢዩ። ቀርኒ ኣፍሪቃ ዞባ ናይ ድኹማት መንግስታትን ብልሽታዊ ስርዓታትን ኢዩ። ንሱ ብናዕቢ፡ ደሞክራስያዊ ሕጽረትን ሕማቕ ምሕደራን ዚልለ፣ ጃምላዊ ውሽጣዊ ምምዝባላት ናይ ህዝብታትን ክቱር ድኽነት ናይቲ ዓቢ ኣብዝሓ ናይቶም ህዝብታትን ዚፈጥር ዞባ ኢዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጋብላ ቀይሕ ባሕርን፡ ሓያሎ ሓያላን ዓለም፡ ኣብ ክሊ ናይቲ እናዛየደ ዚኸይድ ጀኦፖለቲካዊ ውድድር፡ ንጡፍ ወተሃደራውን ባሕራውን ህላወ ኣንቢሮም ኣለዉ። እቲ ኣብቲ ኲናት ኣንጻር ሽበራ ዚተሰምየ ኣተኲሩ ዚነበረ ኣድህቦ ሕመኣ በቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣመሪካን እናዓበየ ዚኸይድ ውድድር ንመደበራት፡ ወደባት፡ ጸጋታት ኰነ ዕድላት ናይ ዕዳጋታትን ወፍርን ተተኪኡ። ኣብኡ ድማ፡ ዘይርጉእ ኣሰራርዓ ሓይልታትን ብቐጻሊ ዚቀያየር ዝንቕ ናይ ዞባውን ኣህጕራውን ምሕዝነታት ሰፊኑ።

እቲ ሰላም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጌና ኣይተረጋገጸን ዘሎ። ኣብ ኤርትራ፡ ሓደ ኣረሜናዊ ስርዓት ቍጠባዊ ዕንወት፡ ፖለቲካዊ ልምሰትን ሕብረተሰባዊ ምብትታንን ኣምጺኡ፣ ነታ ሃገር ናብ ምድራዊት ገሃነም ቀይሩ ይርከብ። ኢትዮጵያ ዓቢ ዘይርጉጽነት ብዘንበድብድ ቃንዛን ሽቕታን ናይ ስግግር ትሓልፍ ኣላ። ኣብ ውሽጢ ኰነ ኣብ መንጎ ክልላዊ መንግስታት፡ ኣብ ቍጠባዊ ልምዓት ኣሉታዊ ስንብራት ዘምጽእ በይነ-ኤትኒካዊ ህውከትን ውሽጣዊ ምምዝባላትን ዘንበድብድ ግጭት ይስዕርር ኣሎ። ብዛዕባ’ቲ መጻኢ ፖለቲካዊ ኣቀዋውማ ናይ ሃገረ ኢትዮጵያ ንጹር ስትራተጅን ሓባራዊ ሃገራዊ ስምምዕን ኣብ ዘየለወሉ ኵነት፡ ዓቢ ሰግለለት ናይ መዋቕራዊ ዘይርግኣት የንጸላሉ ኣሎ።

ክንየው ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዚተኣወጀ ስሉሳዊ ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ’ተን ሃገራት ዚሓሸ ዝምድና ኣየምጽአን። እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ዚጸንሐ ምስሕሓብ ዛጊት ኣይተፈትሐን። ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ማእከላይ ስልጣኑ ኣብ መላእ ግዝኣት ናይታ ሃገር ኪዝርግሕ ጌና ኣይከኣለን። ደቡብ ሱዳን ብበሰላ ኲናት ሓድሕድን ሓድሕደ-ህልቂታዊ ምቅትታልን ትሕመስ ኣላ። እቲ ኣብቲ ናይ ፈለማ ውግኣት ዚተዓወተ ምንቅስቓስ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ሱዳን፡ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ኣብ ምድልዳል ዓበይቲ ብድሆታት የጋጥሙዎ ኣለዉ።

  1. 7. ምህናጽ ነባሪ ሰላም 

እምበኣርከስ፡ እቲ ኣብ መሬት ዚተኸስተ ኣመዓባብላ ናይ ፍጻሜታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ዝምድናታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኰነ ኣብቲ ነናይ ሓድሕደን ውሽጣዊ ኲነታት ድማ ብፍላይ፡ ብመንጽር ድሕረባይታ ናይዚ ጀኦፖለቲካዊ ኵነት’ዚ ኪግምገም ይግባእ። ካብቲ ዚሓለፈ ተመኵሮ ናይ 1991-1998 ምህሮ ብምቕሳም ድማ፣ እቲ ኣብ መንጎ’ቲ ናይ ድሕረ-ናጽነት ዚነበረ ብሕታዊ ዝምድና ናይ ኢሳያስን መለስን እዚ ዘሎ ናይ ድሕረ-ሕዳሰ-ምሕዝነት ብሕታዊ ዝምድና ናይ ኢሳያስን ኣቢይን ዚርአ ተመሳሳልነት ሻቕሎት ከላዕል ይግባእ። እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚተራእየ ሕዳሰ-ምሕዝነት፡ ጌና ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ሰላምን ትካላዊ ኣገባብ ዚሓዘ ንቡር ዝምድናታትን ኣየምጽአን ኣሎ። ምምላስ ንቡር ክልተኣዊ ዝምድናታት ኣብ ምእላይ ናይቲ ወላዒ ኲናት፡ ማለት፡ ደምዳሚ ምዕላብ ጕዳይ ዶብ ኪምርኰስ ይግባእ። 

ዋላ’ኳ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 5 ሰነ 2018 ኢትዮጵያ ንውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ከም እትቕበል ብወግዒ ዚኣወጀ እንተዀነ፣ ምኽላል ናይቲ ዶብ ኰነ ምንስሓብ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ይዅን ሰፈራታት ትግራይ ካብቲ ዚተጐብጠ ግዝኣት ኤርትራ ዛጊት ኣይተፈጸመን። እቶም ኣብ መጎ’ተን ክልተ ሃገራት ብብዙሕ ዳንኬራ ዳግም ዚተኸፍቱ ኣርባዕተ ዶባዊ መሰጋገሪታት ብሃንደብት ተዓጽዮም። እቲ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነት ቀለም ኣብ ወረቐት ኰይኑ ተሪፉ። 

እምበኣርከስ፡ ዳርጋ ክልተ ዓመታት ድሕሪ’ቲ ምፍራም ናይቲ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ጌና ኣብቲ ናይ ሽዑ ኵነት ዘለና ኢዩ ዚመስል። ነቲ ወላዒ ኰነ መሰረታዊ ጠንቂ ናይቲ ግጭት መዕለቢ ንምግባር ይዅን ንሕቶ ዶብ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምፍታሕ ዚተወስደ ዚዀነ ቈራጽ ስጕምቲ የለን። እዚ ህሉው ኵነት ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዘሎ ዘየተኣማምን ባህርይ ናይ ሰላምን ኣጠቓልላሊ ዝምድናታትን ኰነ ነቲ ኣብቲ ኣዝዩ ተቐያያሪ ዞባ ዘሎ መዋቕራዊ ዘይርግኣት ናይ ክልቲአን ሃገራት የረድእ።

ነባሪ ሰላም፡ ኢትዮጵያ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ፡ ብቃልን ብግብርን፡ ምኽባር፣ ከም መርኣያ ናይ ሰናይ ድሌት፡ ምትእምማን ንምዅስኳስን ነቲ ዚተመዛበለ ህዝቢ ናብ ዓድታቱ ተመሊሱ ንቡር መነባብሮ ዳግም ምህናጽ ንምፍቃድን፡ ወተሃደራታን ሰፈራታት ትግራይን ካብቲ ዚተጐብጠ ግዝኣት ኤርትራ ምስሓብ፣ ይጠልብ። ብተወሳኺ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ በይነ-መንግስታዊ ዝምድናታተን ናብ ንቡር ምምላስን ትካላዊ ኣገባብ ምትሓዝን ይሓትት። ሓንሳእ ግሉጽ ዚዀነ ንቡር መንግስቲ ንመንግስቲ ዝምድናታት ምስ ዚምስረት፣ ኵሎም እቶም ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘለዉ ዘይተፈትሑ ጕዳያት፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ብመንገዲ ምይይጥ፡ ልዝብ ወይ፡ እንተድለየ፡ ብሽምግልና ሳልሳይ ኣካል፡ ምፍታሕ ይከኣል።

ኣብቶም ንፍታሕ ተዘርዚሮም ዚቐርቡ ነጥብታት አጀንዳ፡ ቅድሚ ዅሉ ሕቶ ዶብ ኪስራዕ ይግባእ። ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ እተን ክልተ ሃገራት ብዛዕባ’ቲ ናይ ሓባር ዶበን ብልዝብ ኣብ ስምምዕ ኪበጽሓ የፍቅድ ኢዩ። ኣብ ስምምዕ ኪበጽሓ ምስ ዘይክእላ ግን፡ እቲ ውሳኔ ናይቲ ኮሚሽን ደምዳምን ቀያድን ይኸውን። ኣብ ክሊ ናይ ምዉቕ ዝምድናታትን ሓድሕዳዊ ሰናይ ድሌትን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ነባሪ ሰላም ዘረጋግጽ ተግባራዊ ፍታሕ ምምጻእ ይከኣል ኢዩ።

እቲ ብኣህጕራዊ ልምዳዊ ሕጊ ዚድገፍ፡ ብጹእነት ናይ መግዛእታዊ ዶባት ዚባርኽ ኣፍሪቃዊ መትከልን ልምዲን ቅቡል ኰይኑ፣ ምርግጋጽ ናይቲ ታሪኻዊ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ ነባሪ ፍታሕ ከዋድድ ይኽእል። ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ክልቲኡ ወገናት ናይቲ ወሰናስን ዶብ ዚነብር ህዝቢ ድማ፡ እቲ ኣዝዩ ዚወሓደ ምዝራግ ናይ ህይወት፡ ዝምድናታት ኰነ ሃገራዊ መንነት ከስዕብ ይኽእል። ብሓቂ፡ ነቲ ጕዳይ ዶብ ብመሰረት’ቶም መግዛእታዊ ውዕላት መዕለቢ ምግባር፡ ነቲ ናይ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ቅንዕና ናይ ምድላይ ነባሪ ሰላም ምስ ኤርትራ ዚፍትን ኢዩ። 

ከም ምንጪ ናይ መነባብሮን መንነትን፡ መሬት ኣብ ኤርትራ ብከባብያዊ ሕግታት እንዳባ ብግቡእ ዚተደንገገ ኣበዋዊ (ናይ ኣበው) ውርሻ ኢዩ። ዋንነቱ ብሕታዊ ይዅን ኮማዊ ብዘየገድስ፡ መሬት ናይ ዓድታት ኢዩ፤ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ድማ፡ ደረታት ናይ መሬታ ብመንጽር’ተን ጐደቦ ዓድታት፡ እንተላይ እተን ስግር ዶብ ዚርከባ ዓድታት፡ ኣዳቒቓ ትፈልጥ ኢያ። እምበኣርከስ፡ ነቶም መግዛእታዊ ውዕላት መሰረት ብምግባር ኣካላዊ ምኽላል ናይቲ ዶብ፡ ብሓበሬታዊ ምይይጥ ምስ ሽማግለታት ዓበይቲ ዓዲ ኣብተን ኣብ ክልቲኡ ወገናት ናይቲ ወሰናስን ዶብ ዚርከባ ዓድታትን ብክኢላዊ ሓገዝ ናይ ካርቶግራፍያዊ ኣሃዱ ሕቡራት ሃገራትን ኪሰላሰል ይኽእል ኢዩ።

ሎሚ ብዝያዳ ካብ ቅድሚ ሕጂ፡ መላኺ ኣገዛዝኣ ኣብ ኤርትራ ዘየዋጽእ፣ ዘይርግኣት ኣብ ኢትዮጵያ ሓደገኛ፣ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ዘየተኣማምን ምዃኑ ኣጸቢቑ ተነጺሩ ኣሎ። ምርግጋጽ ነባሪ ሰላምን ህያው ክልተኣዊ ምትሕግጋዝን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዚተቐየረት ኤርትራን ዚተረጋግአት ኢትዮጵያን፣ ክልቲአን ሃገራት ድማ ንቅዋማዊ ስርዓት፡ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ኣሳታፊ ልምዓትን መብጽዓ ዚኣተዋ ኪዀና ይጠልብ። ምስ ግዜ፡ ሓደ ኣብ ሓባራዊ ስትራተጅያዊ ረብሓታትን ናይ ሓባር ክብሪታት ናይ መጻኢ ሰላም፡ ግስጋሰን ራህዋን ንኤርትራ፡ ንኢትዮጵያ ኰነ ነቲ ዞባ ብዓቢኡ ዚተሃንጸ፡ ሓድሽ ዝምድና ናይ ምምዕባል ራእይ ምስልሳል ዚከኣል ኢዩ።


መወከሲታት:-

(1) The Mereb-Belesa-Muna borderline formed the “historically evolved administrative boundary” between the areas located to the north governed by the Bahri Negasi (today’s Eritrea) based in Debarwa and the areas located to the south governed by the Tigre Mekonen based in Enderta (today’s Tigray).  Cited from the work of the Portuguese Jesuit, Emmanuele Barradas, entitled “Do Reino de Tigr” written in 1633-34; in Trivelli, Richard M., Divided Histories, Opportunistic Alliances: Background Notes to the Ethiopian-Eritrean War, African Spectrum, Vol. 33, No 3 (1998: 259).

(2) Trevaskis, G.K.N., Eritrea: A Colony in Transition: 1941-1952, Oxford University Press, London (1960: 7).

(3) Olivier and Fage, A short History of Africa (3rd ed., 1970); Mair, Primitive Government (1962); id., African Kingdoms (1977); Fortes and Evans-Pritchard (eds.) African Political Systems (1940); and Shaw, Title to Territory in Africa: International Legal Issues (1986).

(4) Friedrich Kratochwil, et. al, Peace and Disputed Sovereignty: Reflections on Conflict Over Territory, Lanham, Md.: University Press of America (1985:26). 

(5) Andebrhan Welde Giorgis, Eritrea at a Crossroads: A Narrative of Triumph, Betrayal and Hope (2014: 365).

(6) Paul E. Lovejoy, Transformations in Slavery: A History of Slavery in Africa (2000: 4).

(7) Federica Guazzini, State Institutions and Leadership in Africa (2007: 21).

(8) Anthony Anghie, Finding the Peripheries: Sovereignty and Colonialism in Nineteenth Century International Law, Harvard International Law Journal, Vol. 40, No 1 (1999: 1-80)

(9) Saadia Touval, Treaties, Borders, and the Partition of Africa, The Journal of African History 1966, Vol. 7 Issue 02 (1966: 279-293).

(10) Andebrhan Welde Giorgis, Eritrea at a Crossroads: A Narrative of Triumph, Betrayal and Hope (2014: 365).

(11) Erin E. Hughes, (1997: 279), quoted in Efem Nkam Ubi, Territorial Theory and the Resolution of African territorial Conflicts: The Case of Ethiopia/Eritrea Boundary Conflict (2010).

(12) Christopher D. Zambakari, Interrogating Liberal Theories of Rights and Interventions, 2020 DOI: 10.1080/1369801X.2020.1753550 (2020: 1).

(13) Malcolm Shaw, Title to Territory in Africa: International Legal Issues (1986: 221).

(14) Resolution AHG/Res. 16(1) on Border Dispute among African States, Cairo, July 1964.

(15) ወይን፡ 1997፡ ወግዓዊ ልሳን ናይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)። 

(16) Hans van der Splinter, Background to the Border Dispute between Eritrea and Ethiopia (1998, 245-272).

(17) Andebrhan Welde Giorgis, Eritrea at a Crossroads: A Narrative of Triumph, Betrayal and Hope (2014: 510-511).

(18) ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ደብዳበታት ናብ መለስ ዜናዊ፡ 16 ነሓሰ 1997ን 25 ነሓሰ 1997ን።  

(19) ብመሰረት ሓበሬታ ካብ ሓደ ብሪጋደር ጀነራል ናይ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሓሙሽተ መኰነናት ተቐቲሎም። በዚ መሰረት ድማ፡ እቲ ኣሃዝ ኣብታ ‘ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፡- ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን’ (2014) ዘርእስታ መጽሓፍ ሰፊሩ። እቲ ሓቀኛ ቍጽሪ ናይቶም ዚተቐትሉ መኰነናት፡ ብመሰረት ሓበሬታ ናይ ሓደ ደድሕሪ’ቲ ምምላስ ባድመ ብሓምኤ ኣብ ግንቦት 1998 ብቕጽበት ኣብቲ ከባቢ ዚበጽሐ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ናብ ሽዱሽተ ተኣሪሙ። 

(20) ብድዐ ብዘስምዕ ጃህራ፡ ኢሳያስ ከምዚ ኢሉ፡- “ምሉእ ዓለም ኪፈልጦ ዘለዎ፡ ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ሞይታ ማለት ኢዩ፤ ጸሓይ ድሕሪ ሕጂ ኣይትበርቕን’ያ ማለት’ዩ”። [Andebrhan Welde Giorgis, Eritrea at a Crossroads: A Narrative of Triumph, Betrayal and Hope (2014: 520) ርአ].

(21) ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፡ ቃለ-መጠይቕ ምስ ተለቪዥን ኢትዮጵያ፡ 9 ሓምለ 1998።