Eritrea at a crossroads

“Eritrea at a Crossroads: A Narrative of Triumph, Betrayal and Hope”

Ch 4. European to African Colonialism

[T]he Strategic interests of the United States in the Red Sea Basin and world peace
make it necessary that the country [Eritrea] by linked with our ally Ethiopia.
-John F. Dulles

ምእንቲ ስትራተጅያዊ ረብሓታት ሕቡራት መንግስቲታት ኣመሪካ ኣብ ጋብላ ቀይሕ ባሕርን ሰላም ኣብ ዓለምን፡
እታ ሃገር (ኤርትራ) ምስታ መሓዛና ዚዀነት ኢትዮጵያ ኪትቍረን ኣድላዪ ይኸውን።
– ጆን ኤፍ. ዳላስ

The interplay of geopolitical factors and the ambitions and rivalry of the Big Powers that blocked Eritrea’s quest for decolonisation while appeasing Ethiopia’s claims by using the UN to impose a federal union with Ethiopia against the wishes of the Eritrean people, are considered in Chapter 4: Transition From European to African Colonialism. The chapter describes how the UN violated the principle of self-determination, facilitated Eritrea’s continued domination by an oppressive power with an African face that damaged long-term Ethio-Eritrean relations. Further, it underscores Ethiopia’s systematic and reckless subversion of the Federal Act and the tacit complicity of the UN in the incorporation of Eritrea into the Ethiopian Empire, fuelling popular indignation and fomenting the Eritrean armed struggle for self-determination.

እቲ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም መሳርሒ ብምጥቃም፣ ነቲ ካብ መግዛእቲ ናይ ምልቓቕ ድሌት ኤርትራ ዓጊቱ፡ ንናይ ምስፋሕፋሕ ጠለብ ኢትዮጵያ ዘርወየ፣ ኣንጻር ትምኒት ህዝቢ ኤርትራ፡ ፈደራላዊ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዘስገደደ፣ ምውስሳብ ጆኦፖለቲካዊ ረቛሒታት ምስቲ ህርፋንን ውድድርን ናይተን ዓበይቲ ሓይልታት፡ ኣብ ምዕራፍ 4 ምስግጋር ካብ ኤውሮጳዊ ናብ ኣፍሪቃዊ መግዛእቲ፡ ይዝርዘር። እዛ ምዕራፍ’ዚኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከመይ ገይሩ ንመትከል ርእሰ-ውሳኔ ከም ዚገሃሰ፣ ብኸመይ ዚኣመሰለ ኣገባብ፡ ነቲ ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንነዊሕ እዋን ዚሃሰየ ቀጻሊ ዕብለላ ኤርትራ ብሓደ ኣፍሪቃዊ ገጽ ዘለዎ ጨቋኒ ሓይሊ ከም ዘሳለጠ፣ ትገልጽ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ህዝባዊ ቍጠዐ ዘጐሃሃረን ኤርትራዊ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ርእሰ-ውሳኔ ዘለዓዓለን፣ ብኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ’ቲ ፈደራላዊ ብይን ብመደብ ዚተፈጸመ ሓደገኛ ሸርሕን ሰላሕታዊ ምትሕብባር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምጽንባር ኤርትራ ናብ ንግስነት ኢትዮጵያን፣ ተስምር።