Eritrea at a crossroads

“Eritrea at a Crossroads: A Narrative of Triumph, Betrayal and Hope”

Ch 13. Engaging the Eritrean Diaspora

In all things that are purely social we can be as separate as the fingers,

yet one as the hand in all things essential to mutual progress.

– Booker T. Washington 

ኣብ ኵሉ ውጹእ ማሕበራዊ ጕዳያት ከም ኣጻብዕቲ ዝተፈላለና ክንከውን ንኽእል፣

ኣብ ኵሉ ንሓባራዊ ግስጋሰ ዘገድስ ጕዳያት ግን ሓደ ከምታ ኢድ ክንከውን ይግባእ።

– ቡከር ቲ. ዋሺንግተን

The origins, formation national role of the Eritrean diaspora are described in Chapter 13: Engaging the Diaspora. It explains how interstate conflicts and domestic repression have driven more and more people out of the country to join the diaspora since the start of the border war with Ethiopia in 1998 and the government’s crackdown in September 2001. It also describes how the relative size, wealth, educational attainment and close attachment to the home country have made the Eritrean diaspora a source of sizeable remittances and a significant player in the political, economic and social life of the country.

The chapter notes that a more conducive political and economic space would enable the Eritrean diaspora to use its multiple linkages and resources to promote investment and make a more effective contribution to national development. It also signals the need for the diaspora to transcend the old political and social divides, unify its politics, and reposition its focus on the drive for change. The chapter emphasises the patriotic duty of political activists, movements, and media outlets to distinguish between the interests of the State and the regime, and the potential of the diaspora to play a catalytic role in the effort to bring about change, reconstruct a democratic state, and transform society through constructive engagement and collaborative action.

መበቈል፡ ኣቃውማን ሃገራዊ ተራን ኤርትራዊ ዳያስፖራ ኣብ ምዕራፍ 13፡- ተሳትፎ ኤርትራዊ ዳያስፖራ ይግለጽ። እዛ ምዕራፍ’ዚኣ፡ ካብ ምውላዕ ኲናት ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ 1998 ኣትሒዙ፡ ምስቲ ኣብ መስከረም 2001 ዚገንፈለ መንግስታዊ መድቈስቲ፣ በይነ-መንግስታዊ ግጭትን ዘቤታዊ ጸቕጥን፡ ከመይ ኣቢሎም፡ ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዛየደ ዚኸይድ፡ ሃገር እናገደፈ ናብቲ ዳያስፖራ ዚጽንበር ዋሕዚ ህዝቢ ከም ዚድርኹ፡ ትገልጽ። ብተወሳኺ፡ ተዛማዲ ብዝሒ፡ ሃብቲ፡ ጸጋ ትምህርትን ጥቡቕ ምትእስሳር ምስ ዓድን፡ ብኸመይ መንገዲ፡ ንኤርትራዊ ዳያስፖራ ምንጪ ናይ ገዚፍ ሓዋላን ኣገዳሲ ተዋሳኢ ሓይሊ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ህይወት ናይታ ሃገርን ከም ዚኸውን ከም ዚገበሩዎ፡ ትገልጽ።

እዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ኤርትራዊ ዳያስፖራ፡ ኣብታ ሃገር ምቹእ ፖለቲካውን ቍጠባውን ባይታ እንተዚንጸፈሉ ነይሩ፡ነቲ ዘለዎ ብዝሒ ምትእስሳራትን ጸጋታትን ተጠቒሙ፡ ወፍሪ ንምትብባዕን ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ዝያዳ ኣድማዒ ኣበርክቶ ንምግባርን ዓቢ ተኽእሎ ከም ዚነበሮ፡ ትሕብር። ብተወሳኺ፡ ኤርትራዊ ዳያስፖራ፡ ኪኖ’ቲ ብሉይ ፖለቲካውን ማሕበራውን ምምቕቓላት ሰጊሩ ብምኻድ፣ ፖለቲካኡ ኬሕብር፡ ምሉእ ኣትኵሮኡ ናብቲ ምእንቲ ለውጢ ዚካየድ ጻዕሪ ከድህብ ከም ዘድሊ ተዘኻኽር። እዛ ምዕራፍ’ዚኣ፡ ፖለቲካውያን ተቓለስቲ፡ ምንቅስቓሳትን መርበባት ሓበሬታን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ረብሓታት ሃገረ ኤርትራን ስርዓት ኤርትራን ዘሎ ፍልልያት መሚዮም ከለልዩ ሓርበኛዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎምን፣ ኤርትራዊ ዳያስፖራ፡ ብሃናጺ ተሳትፎን ተሓባባሪ ስራሕን፡ ኣብቲ ለውጢ ንምምጻእ፡ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ንምህናጽ ኰነ ሕብረተሰብ ንምቕያር ዚካየድ ቃልሲ ኣቀላጣፊ ተራ ኪጻወት፡ ተኽእሎ ከም ዘለዎን፣ ተስምር።